ኣብ ጣልያን  ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ዝነበሩ በዝሒ ሰባት ብምንካዩ ተስፋ ፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጣልያን ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ዘለዉን ኣብ ገዝኦም ኣብ ምሕዋይ ዝርከቡን ሰባት ብዝሖም ከምዝነከየ ተገሊፁ።

እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብቲ ዝነበሮ ክንክይ እንተሎ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰኑይ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ 108 ሺሕን 237 ዝነበረ እንትኸውን፥ ካብቲ ናይ ሰንበት ዝነበረ ብ20 ዝነከየ እዩ ተባሂሉ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ከምዝብልዎ፥ እቲ ዝነከየ ቁፅሪ ክረኣይ ከሎ ውሑድ እኳ እንተኾነ ፅቡቕ ምዕባለ ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ጣልያን ዝተኣወጀ ዕፅዋ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያጅን ክሳብ 3 ጉንበት 2020 ዝቕፅል እንትኸውን፥ ዝተወሰኑ ናይ ንግዲ ቦታታት ግን ክኽፈቱ ጀሚሮም ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment