ኣብ ጣሊያን ከተማ ቱሪን ናይ ክብሪ ቆንስላ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ደሚቱ ሃምቢሳ ኣብ ጣሊያን ከተማ ቱሪን ናይ ክብሪ ቆንስላ ኢትዮጵያ መሪቐን ከፊተን።

ኢንጂነር ፍራንኮ ሩቢኒ ሓዱሽ ናይ ክብሪ ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ቱሪን እንትኾኑ፥ ኣብ ፖሊቴክኒክ ኢንጂነሪንግ ዩኒቨርሲቲ ቱሪን እናምሀሩ ዝነበሩን ሕዚ ድማ ኤሲቲኤ ዝበሃል ትካል ኢንጂነሪንግ ኣማኻሪ ዳይሬክተር ኮይኖም እናመርሑ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ቆንስላ ናይ ክብሪ ቆንስላት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሙሁራት፣ ፈጠርቲ ስራሕ፣ ሓለፍቲ ትካላትን ናይ ቢዝነስ ሰባትን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ እተን ኣምባሳደር ድማ ብዛዕባ እቲ ናይ ክብሪ ቆንስላ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሰፊሕ ዕድል ኢንቨስትመንት፣ ትልምሚ ልምዓት 10 ዓመት ሃገር በቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ንኢንቨስተራት ብዛዕባ ዝግበር መበረታትዒን ኣመልኪተን ነቶም ተሳተፍቲ ገለፃ ገይረናሎም።

ፔድሞንቴ ብዙሕ ኣማራፅቲ ኢንዱስትሪታትን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ዘለዉዋ ስለዝኾነት ኣብ ቀረባ እዋን ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ክተፈልፍል ከምትኽእል ዘለወን እምነት እውን ገሊፀን።

ናይ ክብሪ ቆንስል ኢንጂነር ፍራንኮ ሩቢኒ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፔድሞንቴ ጣሊያንን ዘሎ ርክብ ንግዲ፣ ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝምን ባህሊን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑን ኣብ ከተማ ቱሪንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ ከምኡ እውን ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ከምዝዋፅኡ ቃል ኣቲዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment