ኣብ ጎጃም ህውከት እናፈጠረ ዝነበረ ፅንፈኛ ሓይሊ ጉዳት በፂሑዎ ኣሎ – ጀኔራል ኣበባው ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጎጃም ህውከት እናፈጠረ ዝነበረ ፅንፈኛ ሓይሊ ልዑል ጉዳት በፂሑዎ ኣሎ ክብሉ ምክትል ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ጀኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም።

ጀኔራል ኣበባው ታደሰ ሎሚ መዓልቲ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮማንድፖስት ጎጃም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ተዛቲዮም።

ንጎጃም እናሃወኸ ዝነበረ ፅንፈኛ ሓይሊ ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖ ዝገለፁ ጀኔራል ኣበባው÷ “ኮማንድፖስት ጎጃም ነቲ ፅንፈኛ ሓይልሊ ብዝግባእ ወቒዑዎ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ሰራዊትና ናይ ህዝቡ ሰላም ንምምፃእን ሕጊ ንምኽባርን ብዝገበሮ ወፍሪ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ደው ኢሉ ናይ ምውጋእ ዓቕሙ ስኢኑ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ዘራፊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዘብፀሖ ግፍዒ ካብ ህዝቢ ከምዝተነፀለ ብምግላፅ÷ ብዝገጠሞ ስዕረት ሓይሉ ተመናሚኑ፣ ናይ ሎጂስቲክስ ዓቕሙ ተዳኺሙ፣ ኣብ ውሽጡ ብዝገጠሞ ፀገም እውን ተሰነጣጢቑ፣ ታራ ሽፍታ ኮይኑ፣ ውድበ እውን ከምዘይብሉ ገሊፆም።

በዚ ድማ ናብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከምዝኣተወ ብምግላፅ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብተግባር ዝተፈተነ ወፍሪ ናይ ምፍፃም ዓቕሙ እናደንፈዐ ምምፅኡ እውን ኣልዒሎም፡፡

እቲ ኮማንድፖስት ዝረኸቦ ዓወት ብምሕላው ግቡኡ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዝም ይግባእ ምባሎም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment