ኣብ ጎንፂ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብህፁፅ ካብ እስራኤል ክወፅኡ ከምዝደልዩ ቤኒያሚን ኔታንያሁ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝተወለዐ ጎንፂ ዝተሳተፈ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብህፁፅ እስኤል ለቒቖም ክወፅ ከምዝደልዩ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታንያሁ ገሊፆም፡፡

ኔታንያሁ እቲ ጉዳይ ኣመልኪተቶም ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ÷ ብዕቑባ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ኩሎም ብህፁፅ እታ ሃገር ለቒቖም ንኽወፅኡ ክሕሰበሉ ምግንዛቦም ኣሶሼትድ ፕሬስ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ÷ ትማሊ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ልዑል ጎንፂ ምእታዎም ስዒቡ ኢዩ፡፡

ኣብ ደቡብ ቴል ኣቪቭ ብዝተወለዐ ጎንፂ ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ሰባት ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ፡፡

ኣእስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝወልዑዎ ጎንፂ ናይ ህንፀት ዕንፀይቲታት፣ ቁርፅራፅሓፂነ መፂንንነ ኣእማንን ከምዝተጠቐሙ ተገሊፁ፡፡

መሳኹቲ ድንኳትን ናይ ፖሊስ መኻይንን ከምዝተሰበሩ እውን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment