ኣብ ጎንደር መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ፕሮግራምን ጎስጓስ መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጎንደር መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ፕሮግራምን ጎስጓስ መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካ ብልፅግና፣ እናትን ኣብንን ተኻይዱ፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ መረፃ ኣርባዕቲአን ዞባታት ጎንደር ዘካየደ እንትኸውን፥ ፓርቲ ብልፅግና መበገሲ ዝገበረ ድሌት ህዝቢን ሓሳብን ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ ከድሕን ዝኽእል እውን ሓበራዊ ሓሳብን ሓድነትን እምበር ብሄር ጥራሕ ሒዝካ ሃገር እናገደፍካ ስለዘይኮነ ናብ ሓድነት ምምላስ ይግባእ ኢሎም።

ታሪኽ እናዛብዑ ሃገር ከይትረጋጋእ ዝደልዩ ኣካላት ድኻም እምበር ኣይሳኸዐሎምን ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኣብ ዘበነ ብልፅግና ነባር ሓድነትን ምትሕብባርን ብምጥንኻር ናብ ቅድሚት ምጉዓዝ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ደሳለኝ ኣስራደ ብግደኦም፥ ናይዚ ዓመት መረፃ ካብዝሓለፉ እዋናት ዝፍለየሉ ጉጅለ ህወሓት ዝፈረሰሉ፣ እዋኑ ፈተና ዝበዝሐሉ፣ ብዕሩይ ሜዳ ዝተዳለወሉን እኹል ምድላው ዝተገበረሉን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ፓርቲ እናት መድረኽ ምፍላጥ ፕሮግራም ዘካየደ እንትኸውን፥ እቲ ፓርቲ “ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣዶ ኢያ” ብዝብል ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ህንፀት ሃገር ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኽዋፅኡን መሰልን ረብሐኦምን ንኽሕሎ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።

ምክትል ኣቦ መንበር ኣይተ የሱፍ ኢብራሂም፥ እቲ ፓርቲ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኣምሓራ ንምሕላው ምስ ካልኦት ሓይሊታት ብምዃን ድማ ሕውነታዊን ማዕርነትን ዝዓሰላ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment