“ኣብ ጎኒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተሰለፋ መራኸብቲ ሓፋሽ ነቲ ጎንፂ የጋድድኡ ኣለዋ” – ኣልስተር ቶምሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ጎኒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተሰለፋ ዝተወሰና ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝቐፀለ  ጎንፂ የጋድድኡ ኣለዋ ክብል ኒውዝላንዳዊ ጋዜጠኛን ተንታኒ ጂኦፖለቲካን ኣልስተር ቶምሰን ገሊፁ።

እተን መራኸብቲ ሓፋሽ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘዘንብላን ማሕበረሰብ ዓለም ዝፀረየ ሓበሬታ ንከይህልዎ ከምዝገብራን ኣልስተር ቶምሰን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣረዲኡ።

ብደገፍቲ፣ መራሕቲን ሓዘንቲን እቲ ግብረ ራዕዲ ኣቢሉ በተን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝቐፀለ ዝተሰሓሓተ ፀብፃባትን ሓበሬታታትን ማሕበረሰብ ዓለም የሰሓሕት ከምዘሎ እውን ገሊፁ።

ንኣብነት፥ ኣብ ትግራይ ምንም ወተሃደር ኣብ ዘይነበረሉ እዋን “ኣብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ጨፍጫፍ ይካየድ ኣሎ” ብዝብል ወፍሪ ትዊተርን ማሕበራዊ ሚዲያን ከምዝተኻየደ ኣዘኻኺሩ።

ሳልሳይ ዙር ጎንፂ ድሕሪ ምውልዑ ድሕሪ ሳልሳይ መዓልቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ መንግስቲ ኣብ መዋእለ ህፃናት ዝርከቡ ህፃናት ቡምባ ብምድርባይ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ብዘብል ምስልታት ሓሶት እንተውዝዑ ነቲ ሓቂ ንምቅላዕ ድልየት ዘርኣየ መራኸቢ ሓፋሽ ዘይምህላዉ እቲ ጋዜጠና ተዛሪቡ።

ሓሰት ምስቲ ገብረ ራዕዲ ዝተዋሃደን ብዘይ ሓሰት ምንባር ዘይኽእል ምዃኑን እተን መራኸብቲ ሓፋሽ ክርዳኣ ከምዝግባእ ድማ ገሊፁ።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝን ዓለማየሁ ገረመውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment