አዲስ አበባ ፣ ሰኔ 17 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ዝሓለፋ ሃገራዊ ጋንታትት ተፈሊጠን።
ግጥማት ምድብ ትማሊ ምሸት ዝተዛዘሙ እንትኾኑ፥ ፈረንሳይ፣ ፖርቹጋልን ጀርመንን ካብ ዝተመደባሉ ምድብ ተተሓሒዘን ሓሊፈን፡፡
ኣብ ናይ ትማሊ ፀወታ ፈረንሳይ ምስ ፖርቹጋል ከምኡ እውን ጀርመን ምስ ሃንጋሪ ብተመሳሳሊ ውፅኢት ክልተ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ነዙይ ስዒቡ ድማ ፈረንሳይ ነቲ ምድብ ቀዳመይቲ ኮይና እንትዛዝሞ፥ ጀርመንን ፖርቹጋልን ድማ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን ምሕላፈን ተረጋጊፁ፡፡
ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ድሕሪ ፅባሕ ዴንማርክ ምስ ዌልስ ብዝገብረኦ ፀወታ ክጅመር ኢዩ፡፡
ምሸት 4 ሰዓት ድማ ጣሊያን ምስ ኦስትሪያ ክራኸባ ኢየን፡፡
ሰንበት ኔዘርላንድ ምስ ቼክ ሪፐብሊክ ከምኡ እውን ትፅት ዝገበረሉ ግጥም ቤልጂምን ፖርቹጋልን ክካየድ ኢዩ፡፡
ሰኑይ ኣብ ዝግበር ፀወታ፥ ክሮሺያ ምስ ስፔን ከምኡ እውን ፈረንሳይ ምስ ስዊዘርላንድ ክራኸባ ኢየን፡፡
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣውዲቕካ ምሕላፍ እንግሊዝ ምስ ጀርመንን ስዊድን ምስ ዩክሬንን ክራኸባ ኢየን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።