ኣብ ግብፂ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝፀንሐ ውልቀ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝፀንሐ ጀርመናዊ በፃሒ ዓዲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪካ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

እቲ ወዲ 60 ዓመት ጀርመናዊ፥ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ግብፂ ምስበፅሐ እዩ ረስኒ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ናብ ሆስፒታል ምስተወሰደ ድማ ብቫይረስ ኮሮና  ከምዝተታሕዘ ተረጋጊፁ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ምፅንሑ ተሓቢሩ።

ማዕኸናት ዜና ዓለም ከምዝፀብፀብኡ፥ እቲ ግዳይ ሓያል ፀገም ምስትንፋስ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ንበይኑ ተፈልዩ ክሕከመሉ ናብ ዘለዎ ክፍሊ “ኣይከይድን” ድሕሪ ምባሉ ሞት ከምዘጋጠሞ ድማ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጥዕና ግብፂ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብታ ሃገር 48 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣረጋጊፁ።

ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ክሳብ ሐዚ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዘለዉ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ ኣብ ግብፂ 48፣ ኣብ ኣልጄርያ 17፣ ኣብ ሰኔጋል 4፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ 3፣ ኣብ ሞሮኮ 2፣ ኣብ ካሜሩን 2፣ ኣብ ቱኒዝያ 1፣ ኣብ ቶጎ 1 ከምኡ እውን ኣብ ናይጄርያ 1 ምዃኖም ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment