ኣብ ግምባር ጋይንት ጋሸና ዝኸተተ ህዝባዊ ሰራዊት ግቡኡ ብብቕዓት እናፈፀመ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዞባ ምዕራብ ጊጃም ናብ ግምባር ጋይንት ጋሸና ዝኸተተ ህዝባዊ ሰራዊት ዝተውሃቦ ወፍሪ ብብቕዓት እናፈፀመ ከምዝኾነ ኣባላት ተዛሪቦም።

ኣባላት እቲ ህዝባዊ ሰራዊት ናብ ግምባር ካብ ዝኸዱሉ መዓልቲ ጀሚሩ ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ግምባርን ብዛዕባ ኣሰላልፋ ፀላኢን እኹል ግንዛበ ተፈጢሩሎም ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ዝተውሃቦም ወፍሪ ብግቡእ ኣብ ምፍፃም ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

እቶማ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፥ ፀላኢ ክሳብ መወዳእታ እንተየጥፍኡ ንዘይምምላስ ስነ-ልቦናዊ ቆራፅነት ከምዝተላበሱ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖን ሚሊሻን ዝተፈጠረ ጥምረት እቲ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ብሰዓራይነት ንምዝዛም ዓቢዪ ዓቕሚ ከምዝፈጥር እቶም ኣባላት ምግላፆም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment