ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግምባር ወሎ ህወሓት ዘዕነዎም መሰረተ ልምዓታት ብምፅጋን ንወፍሪ ህልውና ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፅአ ከምዝርከብ ሓላፊ መምርሒ መሃንዲስ እዚ እቲ ግምባር ገሊፆም።
እቲ መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ንወፍሪ ኣብ ዝተዋፈረሎም ቦታታት ዘሊቑ ብምእታው ምስ ዘሎ እዋን ክራማት ተተሓሒዙ ብውሕጅ ዝተበላሸዉ መገዲታት እናፀገነ ንተሸከርከርቲ ምቹው ብምግባርን ፀላኢ ዝፈጥሮም ሰብ ስራሕ ማሕለኻታት ብምውጋድ እናተመዝገበ ንዝርከብ ዓወት ልዑል ግደ እናተዋፀአ ይርከብ ኢሎም።
እቲ ክፍሊ በቲ ትካል ዝቐረበሉ ዝቐረበሉ ዘበናዊ ናውቲ ምህንድስና ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ተግባር ብምቕያር ሓይሊ ሰብ ወገን ዝተዓጠቖም ከበድቲ መሳርሒታት ድልድል ፈጢሩ ብምስጋር ሕልሚ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጋህዲ ከይኸውን ምግባሩ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።
ናብ ስራሕ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ከባቢ ሓገዝ ማሕበረሰብ ከምዘይተፈለዮ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።