ኣብ ግምባር ሰቆጣ ንዝተሰለፈ ጥምር ጦር ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ዋግህምራ ወረዳ ደሃናን ምምሕዳር ከተማ ኣምደ ወርቅን 785 ሺሕ ብር ዝግመቱ እንስሳት ኣብ ግምባር ሰቆጣ ንዝተሰለፈ ጥምር ጦር ሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቲ ሓገዝ ዘረከቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ወረዳ ደሃና ኣይተ ዘነበ ማሞ÷ “ንሰላም ህዝቢ ኢትዮጵያ ክብል ህይወቱ ንዝህብ ሰራዊትና ክሳብ መወዳእታ ደጀን ብምዃን ክንዘልቕ ኢና” ኢሎም።

ሓዱሽ ዓመት ፀላእትና ዝሓፍሩሉ ብራኸ ኢትዮጵያ ዝረጋገፀሉ ዓመት ንኽኸውን እውን ተመኒዮም፡፡

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣምደወርቅ ኣይ ሞገስ ጌታሁን ብግደኦም÷ ብጉዳይ ሃገር ዝመፅእ ፀላኢ ምስዓር ነቲ ሰራዊት ጥራሕ ዝግደፍ ስለዘይኮነ ሕብረተሰብ ሓገዙ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment