ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባር ወጥሪ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘህድኦ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ብሕታዊ መገዲ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባር ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ገሊፆም፡፡

ኣብ የመን ዝርከቡ ዓመፅቲ ሃውቲ ቀይሕ ባሕሪ “ማእኸል ዓውደ ኲናት” ቅድሚ ምዃኑ ኣሜሪካን መሻርኽታን እቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ለቒቐን ይውፃኣ ክብሉ ኣጠንቂቖም ኢዮም።

እቲ መጠንቀቕታ ንብረትነታ ናይ ጋቦን ዝኾነትን ሰንደቅ ዕላማ ህንዲ እናውለብለበት ኣብ ዝነበረትን ድፍድፍ ነዳዲ ትፅዕን መርከብ ብሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን ኣቢሉ መጥቃዕቲ ብምብፅሑን ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ዓመፅቲ ሃውቲ ተሓተትቲ ብምግባራ ኢዩ፡፡

ይኹን እምበር ኣቐባሊ ቃል ሃውቲ መሓመድ ኣብዱሰላም እቲ መጥቃዕቲ ሃውቲ ከምዘይፈፀመ ብምግላፅ ነቲ ክሲ ዘነኣኣሶእንትኸውን÷ “ድሕሪ እዚ ምስጢራዊ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ዘሎ መዕነዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኢዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር እናሓየለ ዝመፅአ ወጥሪ ቀይሕ ባሕሪን ቀንዲ ቀንዲ ኩባኒያታት መርከብን ነዳዲን ኣብ ወሳኒ መስመር ንግዲ ባሕሪ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ጠጠው ንኸብሉ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ፡፡

እዚ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ ሃፍቲ ናዕቢ ዘስዕብ ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዝፈጠረ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂ።

ኣብ ጋዛ ዘሎ ጎንፂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘሎ ቅልውላው ቀይሕ ባሕሪ መበገሲ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ሰብ ሞያ÷ ወጥሪ ቀይ ባሕሪ ንምህዳእ ብሕታዊ መገዲ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባር ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment