ኣብ ጋዛ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቁራፁ ምግቢን ካልኦት ሓገዛትን ምብፃሕ ከምዘይተኸኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኲናት እስራኤልን ሃማስን ዝተልዓለ ኣብ ጋዛ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቁራፁ ምግቢን ካልኦት ሓገዛትን ምብፃሕ ከምዘይተኸኣለ ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝ ገሊፆም።

እቶም ትካት ዝህቡዎ ግልጋሎት ሎሚ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁራፀን ስዒቡ ንፁሃን ክጠምዩ ከምዝኽእሉ ምሕባረን ኣሶሼትድ ፕሬስ ፀብፂቡ፡፡

ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ስልኪን ዝተቛረፀሉ ምኽንያት ድማ ናብ ጋዛ እናበፅሐ ዘነበረ ነዳዲ ጠጠው ምባሉ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ጦር እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጋዛ እናካየዶ ዝርከብ መጥቃዕቲ ናብ ደቡብ ከስፍሕ ከምዝደሊ ምልክት ኣርኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment