ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ራብዓይ ኣደራዳሪ ኣካል ከኣቱ ዝቐርብ ሕቶ ትርጉም ዘይብሉ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ሰለስተኣዊ ድርድር ኣብ ዘይተዛዘመሉ እዋን ራብዓይ ኣደራዳሪ ኣካል ከኣቱ ዝቐርብ ሕቶ ትርጉም ዘይብሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቐቓል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪካ ተመሪሑ ዝካየድ ድርድር ክብሪ ከመዘለዋ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር ብምኽንያት ሽግግር ስልጣን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ንግዚኡ ተቛሪፁ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣቦ መንበርነት እቲ ሕብረት ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተቐበለት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፥ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ እቲ ድርድር ብውልቀ ምዝርራባ ኣብሪሆም።

ሕዚ ዘሎ ድርድር እውን ውፅኢታዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን እንተይተፈለጠ ካሊእ ድርድር ምፅዋዕ ግቡእ ከምዘይኮነ እቶም ኣቐሊ ቃል ገሊፆም።

እቲ ድርድር ውፅኢታዊ እንተዘይኮይኑ እውን ከም ኣቆፃፅራ ኣቀውሮፓውያን 2015 ብብርኪ መራሕቲ ዝተበፅ ሰነድ ስምምዕነት ብዝተቐመጠ መገዲ ከምዝምራሕ ተዛሪቦም፡፡

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment