ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝነበሩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ነቶም መራሕቲ ድማ ምፍናው ከምዝገበራሎም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡
ብኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዲስትሪ (ዩኒዶ)ን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ጉባኤ “ካብ ጥሜት ናፃ ዓለም” ካብ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።