ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባርን ተደማፅነት ናይ ምውሳኽን ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ተኻይዶም-ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባርን ተደማፅነት ናይ ምውሳኽን ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምክያዶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ከተማ ካዛን ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስትራት ብምዃን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ ጉባኤ ሰፋሕቲ ኣብ ኣጀንዳታት ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ውፅኢታዊ ተሳትፎ ምግባሩ ገሊፆም።

ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ፥ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር፣ ተሰማዕነትን ተደማፅነትን ንምውሳኽ ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምክያዶም ሓቢሮም።

ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዉ ምትሕብባራት፣ ሓለዋ ከባቢን መመሓየሺ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዝጠመቱ ውሳነታት ምትሕልላፎም ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ኣብቶም ውሳነታት ናይ ባዕላ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓበራዊ ቅዋም ኣፍሪካ ምንፅብራቕ ምኽኣላ አወን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment