ኣብ ገዛ ውልቀ ሰብ ተኸዚኑ ዝነበረ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ገዛ ውልቀ ሰብ ተኸዚኑ ዝነበረ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቲ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር፥ ኣብ ብሄራዊ ክልል ሲዳማን ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ክፍለ ከተማ ታቦርን ከምዝተትሓ ኢዩ ዳይሬክተር ኢንተለጀንስ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኣይተ ጎሳየ ለገሰ ኣፍሊጦም ዘለዉ፡፡

ኣብ ከትማ ጭኮ ብዝተገበረ ክትትል 30 ስራሕቲ ቱርኪ ሽጉጥን ክልተ መረየሳትን ተታሒዞም፡፡

ኣብ ከተማ ሃዋሳ መንበሪ ገዛ ውልቀሰብ እውን ፖሊስ ፌራልን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ብሓባር ብዝገበሩዎ ፍተሻ 98 ስራሕ ቱርኪ ሽጉጥን ምስ 4 ሺሕን 583 ጠያይተ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 3 ሺሕን 546 ጠያይቲ ክላሽንኮቭ ምስ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment