ኣብ ገማግም ባሕሪ ኬፕ ቨርደ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጀልባ ልዕሊ 60 ሰባት ደሃዮም ኣይተረኸበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ገማግም ባሕሪ ኬፕ ቨርደ ዝተረኸበት ጀልባ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት ልዕሊ 60 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሰኔጋል፥ እታ ጀልባ ብ10 ሓምለ ካብ ገጠር ፋስ ቦየ 101 ሰባት ፅዒና ከምዝተበገሰት ብሰሉስ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣመሓዳሪ እታ ቁሸት ሞዳ ሳምብ ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፥ ዳርጋ ኩሎም እቶም ስደተኛታት ኣብታ ቁሸት ዝዓበዩ ኢዮም።

ካብቶም ስደተኛታት ዜጋታት ሴራልዮንን ጊኒ ቢሳውን ከምዝርከቡዎም ተገሊፁ።

ህፃናት ዝርከብዎም 38 ሰባት ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ኣብ ደሴት ሳል ካብ ባሕሪ ተደጊፎም ገሊኦም ድማ ተፀይሮም ክወፅኡ ከምዝተርኣዩ ተሓቢሩ።

ሰብ መዚ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝርከቡላ ደሴት ሳል፥ ሕክምና ይገብሩሎም ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

ዳርጋ ኩሎም ኣብታ ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ባሕሪ ዝፀንሐት ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ሰኔጋላውያን ከምዝኾኑ ይግመት።

ሰብ መዚ ኬፕ ቨርደ፥ ተወሳኺ ሞት ስደተኛታት ንምክልኻል ዓለም ለኻዊ ስራሕ ክስራሕ ፀዊዖም።

ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝፀብፀቦ፥ እታ ጀልባ ብሰኑይ እያ ንፈለማ እዋን ተራእያ።

ኣብ መጀመርታ እኳ እታ ጀልባ ከምዝጠሓለት ተዘሪቡ እንተነበረ፥ ደሓር ግን ክትጥሕል ክትብል ከምዝተረኸበት ተገሊፁ።

እታ ካብ ገማግም ደሴት ሳል 320 ኪሜ ርሒቓ ዝነበረት ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ፥ ካብ ሓንቲ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነበረት ስፔናዊት ጀልባ ብዝመፀ ሓበሬታ ደሃያ ከምዝተረኸበ ፖሊስ ገሊፁ።

ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ካብ 12 ክሳብ 16 ዕድሚኦም ኣርባዕተ ህፃናት ከምዝርከቡዎም ወሃቢ ቃል ዓለም ለኻዊ ትካል ንስደተኛታት ገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment