ኣብ ጃፓን ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣውሮፕላን ልዕሊ 100 በረራታት ተሰሪዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጃፓን ከተማ ቶኪዮ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣውሮፕላን ስዒቡ ልዕሊ 100 በረራታት ከምዝተሰረዙ መገዲ ኣየር ጃፓን ኣፍሊጢ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን ካብ ትርከብ ከተማ ሳፖሮ ናብ ከተማ ቶኪዮ እናበረረት ዝነበረት ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ኣብ ቶኪዮ ሓገዝ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት እናሃበት ምስ ዝነበረት ኣውሮፕላን ብምግጫዋ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ ኢዩ፡፡

ኣብ ካልአይቲ ሓገዝ ትህብ ኣውሮፕላን ዝነበሩ ሓሙሽተ ኣባላት ጉጅለ በረራ እውን ህይወቶም ምሕላፉ ሚኒስትር ትራንስፖርት ጃፓን ቴሱሶ ሳይቶ ገሊፆም፡፡

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ድማ ሎሚ መዓልቲ ክግበሩ ተሓሲቦም ዝነበረ ልዕሊ 100 በረራታት ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን በረራታት ከምዝተቛረፁ ተሓቢሩ፡፡

በቲ መገዲ ኣየር ተጠቃሚ ዝነበሩ ልዕሊ 20 ሺሕ ዓማዊል ጉዕዞኦም ከምዘተኣጓጎለ ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment