ኣብ ጁባ ዝርከብ 15 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ ከ32 ሺሕ ዶላር ድጋፍ ገይሩ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 6፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጁባ ዝርከብ 15 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ብጅግንነት እናተቓለሰ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል 32 ሽሕን 410 ዶላር ድጋፍ ገይሩ፡፡

ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተገበረ ርክክብ ድጋፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቢል ማህዲ ፥ ዓቃቢ ሰላም ሻለቃ ህዝብን ምንግስትን ኢትዮጵያ ዘኹርዕ ልኡኽቶ እናፈፀመ ሰላም ህዝቢ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ኣብ ዓዲ እናተቓለሰ ንዝርከብ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባሩ ንሃገሩ ዘለዎ ዘይተገደበ ፍቕሪ ዘርኢ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ግዝኣታት ደቡብ ሱዳን ያምቢዩን ታምቡራን ዘኹርዕ ኣፈፃፅማ ግዳጅ ብምምዝጋብ ሰላም ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዘተኣማምን ክሕሉ ክኢሉ እዩ ዝበሉ ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወታሃደራዊ ኣታሼ ኢትዮጵያ ብ/ጄኔራል ዳዊት ወ/ሰንበት እዮም።

እቶም ወታሃደራዊ ኣታሼ ፥እቲ ሻለቃ ሃገሩን ወገኑን ብልእኽቶ ካብ ምኹራዕ ብተወሳኺ ኣብ ዓዲ ንዘሎ ሰራዊት ሓገዝ ምግባሩ ንሃገሩ ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዋና ኣዛዚ 15 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኮሎኔል ከፍያለው ረጋሳ ብግደኦም ፥ ግዳጃና ብዘኹርዕ ኩነታት ካብ ምፍፃም ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ግብረ-ራዕዳውያን እናተፋለመ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ድጋፍ ምግባርና ሕጉሳት ኢና ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment