ኣብ ዶብ ቱርኪን ሶሪያን ሓዱሽ ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዶብ ቱርኪን ሶሪያን ሓዱሽ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ።

ኣብ ቱርኪ ግዝኣት ሃታይ ብሬክተር ስኬል 6 ነጥቢ 4ን 5 ነጥቢ 8 ዝተዓቀነ ሓዱሽ ርዕደ መሬት ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ብምኅንያት እቲ ርዕደ መሬት፥ ክሳብ ሕዚ ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሕዚ ሓደጋ፥ ልዕሊ 45 ሺሕ ዜጋታት ቱርኪን ሶሪያን ንሕልፈት ምቅለዖም ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዘጋጠመ ኢዩ።

ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ (ኣናዶሉ) ከምዝፀብፀቦ፥ ብምኽንያት እቲ ሓዱሽ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዙሓት ህንፃታት ዓኒዮም።

እቲ ናይ ትማሊ ርዕደ መሬት ሶሪያ ሓዊሱ ክሳብ ዮርዳኖስ፣ ኢራቅ፣ ፍልስጤምን እስራኤልን ከምዝተሰምዐ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment