ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዶብ ሶማሌ ዝርከብ ሰራዊት ኣብ ኣተኣማማኒ ቁመና ምድላው ከምዝርከብ ተገሊፁ።
ኣመራርሓ እቲ ጥምር ሰራዊት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሰላም ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።
ሓላፊ መምርሒ ሓይሊ ምውፋር ዋና መምርሒ ወፍሪ ሰራዊት ጄኔራል ተስፋዬ ኣያሌው፥ ኣብቲ ቀጣና ዝርከብ ጥምር ሰራዊት ኣብ ኣተኣማማኒ ናይ ምድላው ቁመና ከምዝርከብ ምርኣዮም ገሊፆም።
ምክትል ኣዛዚ ንኦፕሬሽን ሓይሊ ኣየር ብርጋዲየር ጄነራል ተስፋዬ ለገሰ ብግደኦም፥ ካብ ኣፍልጦ ሓይሊ ኣየር ወፃእ ኣብ ሰማይ እቲ ቀጣና ነዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዋት ኢና ኢሎም።
ዶብ ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን ወራሪ ሓይሊ ብምኽባር ኣብቲ ቀጣና ሰላም ንምንጋስ ኣካል እቲ ጥምር ሓይሊ ብምዃን ይስርሑ ከምዘሎዉ ዝገለፆ ድማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማሌ ጄኔራል ኣብዲ ዓሊ ዝያድ ኢዮም።
ደሕሪ እቲ ዘተ ሓፈሻዊ ብርኪ ምድላው ክፍለ ሰራዊት መበል ካልኣይ ሜካናይዝድ ከምዝተርኣየ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።