ኣብ ድሬዳዋ ናብ መከላከያ ሰራዊት ንዝሕወሱ ተመለስቲ ናይ ቀደም ሰራዊት ኣባላት ምፍናው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ድሬዳዋ ናብ መከላከያ ሰራዊት ንዝሕወሱ ተመለስቲ ናይ ቀደም ሰራዊት ኣባላት ምፍናው ተገይሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ አህመድ መሃመድ ቡህ÷ ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናያ ሃገር በህወሓት ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንክትፈርስ ብፍፁም ኣይንፈቅድን።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣደብ ንምትሓዝን ሃገር ነትውልዲ ምስ ሙሉእ ክብራ ንክትተሓላለፍን ዳግም ንሃገራዊ ግዳጅ ብምዝማቶም እቲ ምምሕዳር ዓብዪ ኣኽብሮት ኣለዎ፤ ብታሪክ እውን ክዝከር ክነበር ኢዩ ኢሎም።

እቶም ከንቲባ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ነቶም ተመለስቲ ናይ ቀደም ኣባላት ሰራዊት ናይ ሃገር ሰንደቕ ዓላማ ብክብሪ ምርካቦም ካብ ድሬዳዋ ፖሊስ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment