ኣብ ድሬዳዋ ማእኸል ሕፅቦ ኩላሊት ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብ5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ማእኸል ሕፅቦ ኩላሊት ክህነፅ ኢዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ጥድጊት 10 መሽን ሕፅቦ ኩላሊት ብምፍፃም ናብ ኢትዮጵያ ክኣቲ ኢዩ ተባሂሉ።

ነዚ ኣገልግሎት ዝውዕል ህንፀት ማእኸል ሕፅቦ ኩላሊት ብማሕበር ኣክሲዮን ናሽናል ሲሜንት ሙሉእ ወፃኢ ኣብ ሆስፒታል ሳቢያን ድሬዳዋ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ።

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣይተ ከድር ጁሀር፥ ህንፀት እቲ ማእኸል ፅርየቱ ብዝሓለወን ንሕብረተሰብ ምቹው ብዝኾነን ኣገባብ ኣብ ዝቕፅሉ 45 መዓልታት ተሃኒፁ ከምዝዛዘም ተዛሪቦም።

ንዕድጊት እተን ማሽናትን ስራሕቲ ህንፀትን ካብ መንግስቲ ምንም ዓይነት ናይ ገንዘብ ወፃኢ ከምዘይተገበረ ኣፍሊጦም ክብል ካብ ኮሚኒኬሽን ድሬዳዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment