ኣብ ድሕሪ ኲናት ዓወታትና ሓሊና ክንዘልቕ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተረኸቡ ዓወታት እንተይተዛናጋዕና ሓድነትና ሓሊና ንዝለዓለ ዓወት ብሓባር ንረባረብ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ሓላፊ ቤት ፅሐፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣለሙን ዝተረኸበ ዓወት ዘላቒ ብምግባር ምዕባለ ጋህዲ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበለኦ፥ ግብረ ራዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኲናት ከምዝኸፈት ብምሕባር፤ ብሞራልን ብስንቂን ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ብምዝማት ሓበራዊ ዓወት ከምዝተጎናፀፈ ኣብሪሀን።

ብሓድነት ጠጠው እንተኢልካ ዘይሰዓር ሓይሊ ከምዘየለ ኢትዮጵያውያን ዓወት ዓድዋ ብታሪኽ ዝዝክሩዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ እውን እናመስከሩ ክዝኾኑ ኣገንዚበን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment