ኣብ ድሌታት ስርዓት ፍትሒ ዘተኮረ ልዝብ ተኃይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ድሌታት ስርዓት ፍትሒን ኣብ ኢትዮጵያ ምምለኦምን ከምኡ እውን ኣብ ኢትየዮጵያ ስርዓት ገበን ፍትሒ ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዘተኮረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምርን ስልጠናን ህጊ ፍትሒ ፌዴራል ኣምባሳደር ደግፌ ቡላ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ሴክተራት ፍትሒ ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስማዓ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ፥ እቲ ዝቐረበ መፅናዕቲ ከምዘመላኸቶ ኣብ ኢትዮጵያ 40 ሚአኢታዊ ዝኸውን ክፋል ሕብረተሰብ በቢ ኣርባዕተ ዓመቱ ምስ ሕጊ ተተሓሒዙ ፀገም ከምዝገጥሞም ዘርኢ ምዃኑ ገሊፀን።

እዚ ሕቶ ፍትሒ ዜጋታት ብዝተማልአ ኩነታት ምላሽን ንመሃብ ግን ስሩዕ ኣወሃህባ ስርዓት ፍትሒ ጥራሕ እኹል ከምዘይኮነ ኣገንዚበን።

ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ካብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ካልኦት ስሩዓት ዘይኮኑ ኣማራፂታት መገዲታት ክትዕ ምጥቃም ኣግላዪ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ዝቐረበ መፅናዕቲ ንሓደ ዓመት ዝፀንሐን ኣብ 6 ክልላት ትኹረት ገይሩ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 5 ሺሕን 400 ሰባት ተሳቲፎምሉ ኢዮም።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment