ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብቫይረስ ኢቦላ ዝተትሓዘ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብቫይረስ ኢቦላ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሓደ ብቫይረስ ኢቮላ ዝተትሓዘ ሰብ ምርካቡ ሚኒስት ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ጥቓ ቡቴምቦ ዝተብሃለት ከተማ እውን ሓንቲ ሰበይቲ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወታ ሓሊፉ ተባሂሉ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሰብ መዚ እታ ሃገር፥ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ናብቲ ከባቢ ሰብ ሞያታት ጥዕና እናለኣኹ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር እቲ ሕማም ተላዒሉ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ኢቦላ ሃንደበታዊን ሓደገኛን ዝኾነ ረስኒ፣ ድኻም፣ ሕማም ጭዋዳን ጎሮሮን ዘስዕብ ቫይረስ እንትኸውን፥ እቲ ሕማም እናበርተዐ እንትኸይድ ተምላስን ተቕማጥን ይጅምር፡፡

እናበኣሰ እንትኸይድ ድማ ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ምድማይ የስዕብ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment