ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ውሕመ እታ ሃገር ለቒቖም ምውፃእ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዓቀብቲ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ነታ ሃገር ለቒቖም ምውፃእ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጣ።

ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ÷ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውሕመ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዜጋታተይ የሳቕዩ ነይሮም ካብ ዝበለቶም ጉጅለ ዕጡቓት ክሕልወለይ አይከኣለን ምባላ ይፍለጥ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ እቶም ዓቀብቲ ሰላም ነታ ሃገር ለቒቖም ንኽወፅኡ ፃውዒት ኣቕሪባ ነይራ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውሕመ ካብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ምውፃእ ከምዝጀመሩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ውድብ ሕቡራ መንግስታ ብኣንፃሩ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ብዘሎ ዘይምርግጋእ ስግኣት ከምዘለዎ ምሕባሩ ቲ ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውሕመ 13 ሺሕን 500 ወታደራትን 2 ሺሕ ፖላዊስን ኣብ ሰለስቲአን ግዝኣታት ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃር ኣዋፊሩ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment