ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት ሓደጋ ምስባር መርከብ ብውሑዱ 145 ሰባት ጠፊኦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ሩባ ሉሎንጋ ብምኽንያት ሓደጋ ምስባር መርከብ ብውሑዱ 145 ሰባት ናብ ዝኣተዉዎ ጀከምዘይተፈለጠ ተገሊፁ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ከምዝሓበሩዎ÷ ኣብ ሩባ ሉሎንጋ ተሳፈርቲ እናጓዓዓዘት ዝነበረት ናይ ሞተር መርከብ ልዕሊ ዓቐን ሰባት ምፅዓና ስዒቡ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ፡፡

55 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ከምዝረፉ ዝተሓበረ እንትኾኑ÷ 145 ሰባት ድማ ክሳብ ሕዚ ናብ ዝኣተዉዎ ኣይተፈለጠን ተባሂሉ፡፡

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ግዝኣት ባሳንኩሳ ካሊእ ኣማራፂ ትራንስፖርት ብዘይምሕላዉ÷ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ ሓደጋ መርከብ ከምዘጋጥም ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment