ኣብ ደብረ ሮሃ ቅዱስ ላሊበላ ዝተኸበረ በዓል ልደት ብሰላም ተዛዚሙ – ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደብረ ሮሃ ቅዱስ ላሊበላ ዝተኸበረ በዓል ልደት ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱስ ላሊበላን፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ርእሰ መምሕዳር ዶክተር ይልቃል ከፋለ፣ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብደምቀት ተኸቢሩ።

በዓል ልደት ብሰላም ምዝዛሙ ኣመልኪቱ ኣብ ላሊበላ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ፥ በዓል ልደት ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ዓመት በዓል ላሊበላ ኣብ ላሊበላ ብፍሉይ ንምኽባር ፃውዒት ቀሪቡ ከምዝነበረን ብዝተገበረ ፃውዒት ብድምቀት ከምዝተኸበረ ኣብሪሆም።

እቲ በዓል ብጥምረት ሓይሊታት ካብ ኩሎም ከባቢታት ፀፅታ እቲ ክልል፣ ብመናእሰይን ደላዪ ሰላም ህዝቢን ብዝገበሩዎ ምትሕብባር ብሰላም ክዝተዛዘመ ኢዮም ዝገለፁ።

ፀገም ፀፅታ እንተይተፈጠረ ብሰላም ንኽዛዘም ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ እውን ምስጋና ምቕራቦም ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment