ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ እናዳ ምሸታዊ መዘናግዒ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይት 15 ሰባት ሓሊፉ።
እቲ መጥቃዕቲ ለይቲ ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ብዙሓት ከምዝሰሉ ተሓቢሩ።
መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ድሕሪ መጥቃዕቲ ምፍፃሞም ካብቲ ከባቢ ብተሸከርከርቲ ከምዝተሰወሩ ተሓቢሩ።
ኣብ ስዌቶ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንሕልፈት ዝተቓልዑ ሰባት ካብ 19 ክሳብ 35 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ከምዝኾኑ እውን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ትርከብ ክዋዙሉ ናታል ብዝተፈፀመ ካሊእ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።
ፖሊስ ምስቲ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ ፀብፃብ ኣርቲን ቢቢሲን የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com