ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ መራሒ ምንቅስቓስ ስዌቶ መናእሰይ ሎንታታ ላክስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ መራሒ ምንቅስቓስ ስዌቶ መናእሰይ ሎንታታ ላክስ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

ኣሰጓሚ ፓን ኣፍሪካኒዝም መንእሰይ ሎንታታ ላክስ ናብ ኢትዮጵያ መፂ ዘሎ፥ ወፍሪ ምንቅስቓስ “የኣክል” ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ተገዲቡ ከይተርፍን ዘላቕነት ክህልዎን ንምግባር ዘለዎ ልምዲ ንምክፋል ኢዩ።

ላክስ ብፍላይ ኣፍሪካውያን መናእሰይ ፅዕንቶ ወፃኢ ብኸመይ ክፃወሩ ከምዝግበኦምን ባዕዳዊ ሓሳብ ከይስሕቦምን ዝቃለስ መንእሰይ ኢዩ።

እቲ መንእሰይ ብኣፍሪካውያን መናእሰይን ዝተፈላለዩ ትካላትን ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ እንትኸውን፥ “ኣፍሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካውያን ክፍትሑ ኣለዎም” ዝብል ፅኑቕ ቅዋም ኣለዎ።

ላክስ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባየን ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን መናእሰይ ኢትዮጵያ ፅረዳ ዘውዱ ከምዝተቐበሉዎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment