ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ፓኪስታንን በዓል ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ፓኪስታንን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡

ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዓወት ዓድዋ÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተወከሉ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ከምኡ እውን ተወከልቲ ማሕበራት ዲያስፖራ ኢትዮጵያን ምሁራንን ተረኺቦም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሙክታር ኢድሪስ (ዶ/ር)÷ ዓወት ዓድዋ ታሪኻዊ ዓወት ኢትዮጵያውያን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንፀለምቲ ህዝቢታት ምልክት ኮይኑ ጠጠው ዝበለ ሓወልቲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ፓኪስታን እስላማባድ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment