ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ቡን ዝቦቕለሎም ከባቢታት ሕማም ፍረ ቡን ተወሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ቡን ዝቦቕለሎም ከባቢታት ሕማም ፍረ ቡን ምውልዑ ስዒቡ ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ዶክተር ፈቶ ኢሲሞ፥ እዋኑ ሓሊዩ ዝውላዕ ሕማም ፍረ ቡን ንምክልኻልን ፍርያታውነቱ ንምድንፋዕን ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ሕማም ፍረ ቡን ንፍረ ቡን ዘበላሹን ክረግፍ ዝገብርን እንትኸውን፥ ጉጅለ ምርምር ብምውዳድ ዳህሳስ መፅናዕቲ እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዳህሳስ መፅናዕቲ ድማ ሕማም ፍረ ቡን ከምዝተወለዐን እቲ ሕማም ኣብ ዝተወለዐሎም ከባቢታት ዝተመሓየሹ ነቲ ሕማም ዝፃወሩ ኣዝርእቲ ዘይተጠቐሙ ሓረስቶት ንጉድኣት ከምዝተቓልዑን እቲ ኢንስቲትዩት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

መፅናዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ ክልል ደቡብ ኣብ 11 ቀበሌታት ዞባ ጌዶ ኣብ 48 ግራውቲ ፍርያት ቡን ሕማም ፍረ ቡን ተራኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment