ኣብ ደሴ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ደሴ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተጀሚሩ።

ሎሚ መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመረ እቲ መመርመሪ መሳርሒ፥ ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ 300 ሰባት ክምርምር ከምዝኽእል ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ ጨንፈር ደሴ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣሰፋ ምሳዬ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ መመርመሪ ማሽን ኣድላዪ ዘበሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጣቢያ ጥዕና ደሴ ክጅምር ተገይሩ ኣሎ።

እቲ መመርመሪ መሳርሒ ንከተማ ምምሕዳር ደሴ ሓዊሱ ዞባ ደቡብ ወሎን ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣገልግሎት ከምዝህብን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment