ኣብ ይማኖታዊ ስነ ስርዓት ህንዲ ብዝተፈጠረ ፅቕቅጥ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 121 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ሃይማኖታዊ ፌስቲቫል ሂንዱ ብዝተፈጠረ ፅቕቅጥ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 121 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፓራዴሽ ሃታራስ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ተኸተልቲ እምነት ሂንዱ ሃይማታዊ ስነ ስርዓት እናካየዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት ደቂ ኣንስትን ህፃናትን ከምዝርከቡዎም ዝተገለፀ እንትኸውን ተጎዳእቲ ናብ ሕክምና ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብቲ ከባቢ ዝወፅኡ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ከምዝተርኣየ እውን ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ብዝተፈጠረ ምፅቕቓጥ ብዙሓት ሰባት ኣብ ወሰናወሰን መገዲ ወዲቖም ከምዝተርኣዩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment