ኣብ ዩንቨርስቲ ኣክሱም ሃገርለኸ ኮንፈረንስን ፈላማይ ኤግዚብሽን ቴክኖሎጂን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩንቨርስቲ ኣክሱም መበል ታሽዓይ ሃገርለኸ ኮንፈረንስን ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ፈላማይ ኤግዚብሽን ቴክኖሎጂን ይሳላጥ ኣሎ ።

እቲ ሃገራዊ ኮንፈረንስ፥ “ኣንፈታት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ሳዕቤናት ኩናት፣ ህሊዊ ኩነታት መበገሲ ዝገበሩ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምቕራብ ዘተ ክግበረሎም ኢዩ ተባሂሉ።

ፕሬዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ብርሃነ፥ ድሕሪ ኲናት ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝተመለሰ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 1ሺሕን 700 ተምሃሮ ከም ዘመረቐ ገሊፆም።

ኣስታት 4 ሸሕ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃሮ ከም ዝተቐበለ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment