ኣብ ዩንቨርስቲታት ናይ ሰላም ትምህርቲ ንምሃብ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣  12 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ሚኒስቴር ኣብ ሽዱሽተ  ዩንቨርስቲታት ናይ ሰላም ትምህርቲ ንምሃብ ዘኽአል ስምምዕነት  ምስ ማእኸል ባህሊን ሳይንስን ትምህርቲን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሙሉ ነጋ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዩንቨርስቲታት ተምሃሮ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ባህሊን ዝመፅኡ ስለዝኾኑ ናይ ሰላም ትምህርቲ ብምሃብ ንክዛተዩን ናይ መፍትሒ ሓሳብ ንከምፅኡን ናይ ተግባር ሰልጠና ክወስዱ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ናይ ማሕበረሰብ ጎንፂ ኣፈታትሓ መገዲ ካብ ምርኣዩ ብተወሳኺ ረብሓ ሰላም ከምዘረድእ ገሊፆም።

ዕላማ እቲ ትምህርቲ፥ ሰላም ንምርግጋጽ፣ ጎንፂ ንምክልኻልን ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅን እነትኸውን፥ ኣብ 6 ዩንቨርስቲታት ከምዝጅመር ተገሊፁ።

ውፅኢቱ እናተርኣየን እናተፀንዐን ናብ ካልኦት ዩንቨርስቲታት ከምዝሰፍሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment