ኣብ ዩንቨርስቲታት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ሃሊዩዎም ዝተፈላለየ መፀውዒ ዝሓዙ ዓውዲታት ትምህርቲ ስያመኦም ክስተኻኸል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩንቨርስቲታት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ሃሊዩዎም ዝተፈላለየ መፀውዒ ዝሓዙ ዓውዲታት ትምህርቲ ስያመኦም ክስተኻኸል ከምዝግባእ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምትሕብባር መስተኻኸሊ ስያመ ፕሮግራም ቅድመ ምረቓ ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ጄነራል ዳይሬክተር ጉዳያት ኣካዳሚክ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ኤባ ሚጀና፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩንቨርስቲታት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ሃሊዩዎም ዝተፈላለየ መፀውዒ ዝሓዙ ዓውዲታት ትምህርቲ ስያመኦም ክስተኻኸል ከምዝግባእ ገሊፆም።

እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአ ፀገም ኣብ ምስትኽካል ሓጋዚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ መድረኽ ነክልተ መዓልታ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክቐርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣበበች ኬሻሞ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment