ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣርሲን ወላይታ ሰዶን መዓልቲ ወለንታታትን ሓምለዋይ ዓሸራን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣርሲን ወላይታ ሰዶን መዓልቲ ወለንታታትን ሓምለዋይ ዓሸራን ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፣ ልገሳ ደም፣ ምክፋል ማእዲን ተኻይዱ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ከም ሃገር ዝተጀሚሩ ስራሕቲ ንምሕጋዝ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ኢዩ።

እተን ትካላት ትምህርቲ ጎድና ጎድኒ ዝሰርሐኦም ስሩዓት ስራሕቲ ኣብ መሰል እዋናዊ ጉዳያት ከምዝሳተፋ እውን ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣርሲ ዶክተር ዱጉማ አዱኛ፥ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ዓመት ጎድና ጎድኒ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 60 ሺሕ ሃገር በቆለ ፈልሲታት ተኺልካ ንምፅዳቕ ከምዝተሃቀነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስነስርዓት ዑደት ፕሮጀክታት ምስፍሕፋሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ልገሳ ደም፣ ተኸላ ፈልሲን ምክፋል ማኣዲን ተሳሊጡ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ፕሮፌሰር ታከለ ታደሰ ብግደኦም፥ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኩለን ቀፅሪታት ልዕሊ 35 ሺሕ ፈልሲታት ብምትካል ዓሸርኡ ከምዘንበረ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment