ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ውፅኢታት ፈጠራ ቴክኖሎጂ ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ኣብ ዘፈራት ማይ፣ ምግቢን ኢነርጂን፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሃፍቲ ሰብን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ኣፍሪካዊ ዝኾኑ ውፅኢታት ፈጠራ ቴክኖሎጂን ምርምርን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ኮሚሽን ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ፕሮፌሰር ሞሀመድ ቤልሆሲን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ዝርከቡ ትካላት ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣፍሪካ ማለት እውን ኣብ ኣልጄሪያ፣ ኬኒያ፣ ናይጄሪያ፣ ካሜሮንን ደቡብ አፍሪካን ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ እናተውሃበ ይርከብ ኢሎም።

ኣብቶም ትካላት ኣብ ዓውዲታት ማይ፣ ኢነርጂ፣ ክሌማዊ ለውጢ ኣየር፣ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን፣ ሕርሻን መፅናዕቲ መሬትን ምርምራት ሓዊሱ ኣፍሪካዊ ዝኾ ፈጠራ ስራሓት፣ ሓደሽቲ ርክባትን ውፅኢታት ስነ-ምግቢን ከምዝተረኸቡ ኣብሪሆም።

እቲ ኮሚሽን ፅሬት ትምህርቲ፣ ተበፃሕነትን ዓወታት ቴክኖሎጂን ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ፅንሰ ሓሳብ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ካብ ዝተጀመረሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2008 ጀሚሩ ብልዑል ፅሬት ዝወሃቡ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙን ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝሕግዙን ትካላት ንምጥያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ኣጀንዳ2063 ሕብረት ኣፍሪካ መበገሲ ብምግባር ኤሌክትሮኒክ ትምህርቲ ብርሕቐት ዝወሃበሉ ኤሌክትሪካል ፓን ኣፍሪካን ቨርቹዋል ዩኒቨርሲቱ ከምዝተመስረተ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment