ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ኮንፈረንስ ሰላም ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ከይዲ ምምሃር ምስትማሃር ሰላማዊ ንምግባር ዝሕግዝ ኮንፈረንስ ሰላም ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባ ገዳታት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ምምሕዳር ከተማ፣ ተምሃሮን ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ምክትል ፕዚዳንት ጉዳያት ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኡባ ኣደም ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ ሰላም ከምዝበሉዎ፥ ብዝተፈጠረ ስእነት ሰላም ካብ ምትእጉጓል ከይዲ ምምሃር ስትምሃርን ምጥፋእ ህይወት ተምሃሮን ሓሊፉ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ እውን ተጎዳኢ ኮይኑ ኢዩ።

ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ምብእኣስ እቲ ጎንፂ ተሳትፎ ዘለዎም ኣካላት ስጉምቲ እናተወሰደ ምዃኑ ዝገለፁ ዶክተር ኡባ፥ ሕዚ እውን ምፅራይ እናተገበረ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣብሪሆም።

ተምሃሮ ድማ ዝመፅኡሉ ዕላማ ካብ ምዕዋት ወፃኢ መፈፀምቲ ኣጀንዳ ካልኦት ኣካላት ክኾኑ ኣይግባእን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ብግደኦም፥ ተምሃሮ ዝመፅኡሉ ዕላማ ብመሓዝ ኣብ ትምህርቶም ጥራሕ ንኸድህቡ ፀዊዖም።

Comments (0)
Add Comment