ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ፀፅታ ንምፍጣር ዝፈተኑ ተምሃሮ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ፀፅታ ንምፍጣር ዝፈተኑ ተምሃሮን ኣብቲ ቀፅሪ ኣብቲ ግቢ ንምፍታር ዝፈተኑ ኣካላትን ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና÷ ኩነታት ፀፅታ ንምርግጋፅ ምስ ኣካላት ፀፅታ እታ ከተማ ብምዃን ኣድላዪ ሓለዋ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ፀገም ፀፅታ ንምረታር ዝፈተኑ ተምሃሮን ኣብቲ ቀፅሪ ኣብቲ ግቢ ንምፍታር ዝፈተኑ ኣካላትን ምስቶም ሓይሊታት ፀፅታ ብምውዳድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተግባሩ ከምዝቐፀለ ምግላፆም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment