ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ምምሕዳራዊ ነፃነት ዘይምህላዉ ኣብ ልዕሊ ምዕባለ ፅዕንቶ ፈጢሩ ኣሎ-ፕ/ር ጣሰው ወልደሃና

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ምምሕዳራዊ ነፃነት ዘይምህላዉ ኣብ ልዕሊ ምዕባለ ፅዕንቶ ፈጢሩ ኣሎ ክብሉ ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝበሉ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ዓርሰ ምሕደራ ዩንቨርስታት ኢዩ።

ኣብተን ዩንቨርስቲታት ምምሕዳራዊ ነፃነት ዘይምህላዉ ኣብ ልዕሊ ምዕባለ ፅዕንቶ ፈጢሩ ኣሎ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ስለዝኾነ ዩንቨርስቲታት ባዕለን ንባለን ምምሕዳር ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እተን ዩንቨርስቲታት ባዕለን ንባለን ምምሕዳር ዝጠመተ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልኣኸ እንትኸውን እቲ ሎሚ ዝተገበረ ዘተ እውን ነቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዘድሊ እታዎት ንምትእኽኻብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment