ኣብ ዞባ ጎፋ 4 ሰባት ብጋሻ ውሕጅ ተወሲዶም ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጎፋ ትማሊ ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ኣርባዕተ ሰባት ብጋሻ ውሕጅ ተወሲዶም ህይወቶም ሓሊፉ።

ኣተሓባባሪ ሓጋዚ ከይዲ ስራሕ ኢንተለጀንስ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ገዜ ጎፋ ሳጅን ኣስናቀ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ኣብቲ ወረዳ ኣላ ጋልፃ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቀበሌ ዘጋጠመ ኢዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝወቕዐ ሓያል ማይ ስዒቡ ሰብኣይን ሰበይቲን ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ብጋሻ ውሕጅ ተወሲዶም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

እቶም ውልቀ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓዘን ንምብፃሕ ሚቶ ዝበሃል ሩባ እናተሳገሩ እነሃለዉ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ሳጅን ኣበባው ገሊፆም።

በቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሰባት ብተወሳኺ ሰለስተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ዘጋጠሞም እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ሳውላ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ብተኻታታሊ እናወቕዐ ዝርከብ ሓያል ዝናብ ተወሳኺ ሓደጋ ከስዕብ ስለዝኽእል ሕብረተሰቡ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ እውን እቶም መተሓባበሪ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment