ኣብ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተመዛበሉ ንምድጋፍ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተመዛበሉ ወገናት ንምድጋፍ ዘኽእል ኮሚቴ ብምጥያሽ ስራሕ ከምዝተጀመረ ቤት ፅሕፈት ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን እቲ ዞባ ገሊፁ።

ጉድኣት ዘጋጠሞምን በህይወት ዝተረፉን 10ሰባት ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሳውላ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ማርቆስ መለሰ ኣፍሊጦም።

ካብቲ ሓደጋ ተሪፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ ዘለዉ ተመዛበልቲ ኣብ ጊዚያዊ መፅለሊ ብምእታው ዕለታዊ ምግቢ ናይ ምቕራብ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

ድጋፍ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ከምዝተጀመረ እውን ተገሊፁ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ቁፅሪ መወትትቲ 157 ከምዝበፅሐ ኣረጋጊፆም።

Comments (0)
Add Comment