ኣብ ዞባ ጎፋ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበጽሖም 14 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 14 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታ በቲ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ እቲ ሓገዝ ኣረኪቦም፡፡

እቲ ሓገዝ ድማ 8 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ብዓይነት ከምኡ እውን 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብጥረ ገንዘብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment