ኣብ ዞባ ጌዴኦ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 9 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌዴኦ፣  ወረዳ ጮርሶ ቀበሌ ዲባንድቤ ሎሚ ረፋድ ሰዓት 5 ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 9 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

በቲ ሓደጋ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት እውን ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ተገሊፁ።

“ሲኖ ትራክ” መኪና ምስ ዶልፊንን ኤፍ ኤስ ኣርን ብምልታሙ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment