ኣብ ዞባ ጉጂ ብዝተወሰደ ስጉምቲ 14 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብዝተወሰደ ስጉምቲ 14 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ከምዝተደምሰሱ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ታደለ ኡዶ ተዛሪቦም።

በቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ 17 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ከምዝቖሰሉን 13 ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን እውን ገሊፆም።

እቲ ስጉምቲ ኣካላት ፀፅታን ሕብረተሰብን ተፃሚዶም ብዝሰርሑዎ ስራሕ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ ጉጅለ ህወሓት ዝተልኣኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ልኡኽቶ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ተቐቢሎም ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ፀፅታን ዞባ ጉጂ ኣይተ ዋሌ ዱንጎ ተዛሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጉጂ ኣይተ ታደለ ኡዶ ብግደኦም፥ ኣብቲ ዞባ ንዝነብሩ ብሄር ብሄረሰባት ሓለዋን ክንክንን ብምግባር ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ዝሰርሑዎ ስራሕ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment