ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሰጠማ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሰጠማ ሎሚ መዓልቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ጋቲራ ተባሂላ ኣብ ትፅዋዕ ከተማ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓላፊ ኮሙዩኒኬሽን እታ ወረዳ ኣይተ ሑሴን በድሩ ተዛሪቦም፡፡

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ማእኸል መናእሰይ ከምዝዓነወ እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ሕብረተሰብ ብዝገበሮ ዝተዋደደ ጥምረት እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ካሊእ ቦታ እንተይተዛመተ ምቁፅፃር ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

መልዐሊን መጠን በቲ ሓደጋ ዝበፅሐ ጉድኣትን ኮሚቴ ተጣይሹ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ብተስፋሁን ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment